ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቶም ሱዋዚ፡ ንትውልደ ኢትዮጵያዊት ማዚ ስዒሩ ኣብ ምርጫ ኒው-ዮርክ ተዓዊቱ


ማዚ መለሳ(ጸጋም)ን ቶም ሱዋዚ(የማን) - ፋይል
ማዚ መለሳ(ጸጋም)ን ቶም ሱዋዚ(የማን) - ፋይል

ኣባል ባይቶ ኣመሪካን ተወካሊ ክፍለ-ግዝኣት ኒውዮርክን ዝነበረ ጆርጅ ሳንቶስ ብኽሲ ብልሽውና ካብ ባይቶ ኣመሪካ ድሕሪ ምእላዩ፡ ንምትካኡ ኣብ ዝተገብረ ፍሉይ ምርጫ ቶም ሱዋዚ ተዓዊቱ ኣሎ። ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ሱዋዚ ነታ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደትን ድሒራ ድማ ብስርሒት ሰሎሞን ዝፍለጥ ናብ እስራኤል ዝተወስደት ማዚ መለሳ ፊሊፕስ’ዩ ስዒሩ።

ዕዉት ሱዋዚ ቅድሚ ሎሚ ንኣመሓዳሪ ግዝኣት ኒውዮርክ ተወዳዲሩ ዘየተዓወተ’ዩ። ሓድሽ ኣባል ባይቶ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲውያን ምምጻኡ ድማ ኣብ ዝቀራረብ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ሰልፊ ደሞክራሲውያን ይትስፈዉ።

ካብ ኣይሁዳውያን ስድራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደት ማዚ መለሳ ፊሊፕ፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ዘገልግለት’ያ። ማዚ ኣብ 2021 ኣብ ወረዳ ናሱ ናይ ኒው-ዮርክ ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይና ዝተመረጸት’ያ።

ማዚ ኣብዚ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ እንተተዓዊታ ንዶባት ኣመሪካ ኣብ ምሕላው ኣበርቲዓ ክትሰርሕ፣ ንመከላኸሊ ዶብ ዝኸውን ብዙሕ ዝዝርበሉ መንደቕ ኣብ ምስራሕ ክትደፍእ፣ ኣብ መሰል ሕቶ ዑቕባ ዝህሉ ኣገባብ ኣዝዩ ክጸንዕን ክትሰርሕ ምዃና’ያ ኣመልኪታ ነይራ።

ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ ማዚ ኣብ 1991’ያ ካብቲ ብስርሒት ሰሎሞን ዝጽዋዕ ምውጻእ ኣይሁዳውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ እስራኤል ከይዳን ኣብኡ ተማሂራን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG