ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ሪፓብሊካውያን ብደብዳበ ዝካየድ ምውሃብ ድምጺ ክናዋሕ የብሉን ዝብል መጎተ የቕርቡ


ኣመሪካ፡ ሪፓብሊካውያን ብደብዳበ ዝካየድ ምውሃብ ድምጺ ክናዋሕ የብሉን ዝብል መጎተ የቕርቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:42 0:00

ኣመሪካ፡ ሪፓብሊካውያን ብደብዳበ ዝካየድ ምውሃብ ድምጺ ክናዋሕ የብሉን ዝብል መጎተ የቕርቡ

ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ፡ ሪፓብሊካውያን ብደብዳበ ዝካየድ ምውሃብ ድምጺ ካብ ዝግብኦ ዕለት ንላዕሊ ክናዋሕ የብሉን ዝብል መጎተ የቕርቡ`ለዉ።

ኣብ ግዝኣታት ሚሲሲፒን ኖርዝ-ዳኮታን ክሲ ኣቕሪቦም ዘለዉ ሪፓብሊካውያን፡ ድሕሪ ዕለት ምርጫ ዝመጽእ ድምጺ ውዱቕ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ኣለዉ።

ደሞክራሲያውያን ብወገኖም ብደብዳበ ዝውሃብ ድምጺ፡ ቅድሚ ዕለት ምርጫ ዝተላእከ ክሳብ ዝኾነ ድሕሪ ዕለት ምርጫ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ደንጉዩ እንተበጽሐ`ውን ቅቡል ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ደሞክራት እቲ ሪፓብሊካውያን ኣበጊሰሞ ዘለዉ ሕቶ ሕጂ ንካልኦት ግዝኣታት `ውን ከይልክም ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ። ድሕሪ መዓልቲ ምርጫ ዝመጽእ ደብዳበ ድምጺ ውዱቕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግዝኣታ ኖርዝ ዳኮታ ዝቐረበ ክሲ፡ ሎሚ ዘመን ድማ ኣብ ሚሲሲፒ ቀሪቡ'ሎ። ። ሪፓብሊካውያን ኣብያተ-ፍርዲ ድሕሪ መዓልቲ ምርጫ ዝመጽእ ድምጺ ምቑጻር ንፈደራል ሕጊ ዝጥሕስ `ዩ ዝብል ብይን ክህባ ተስፋ ይገብሩ`ለዉ ። ደሞክራትን ተሓለቕቲ መሰላት ምምራጽን ግን ከምኡ ዝብል ብይን እንተተዋሂቡ ኣብ ካልኦት ግዝኣታ `ውን ጽልዋ ከይህልዎ የሻቕሎም ኣሎ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኮሚቴ ሕጊ ሰልፊ ደሞክራሲ ዝኾነ ኣብሒ ራሕማን፡እቲ ተግባር ንመሰል ኣድመጽቲ ሚሲሲፒ ዝጻረር ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ግዝኣታት `ውን ሕማቕ ኣብነት ከይከውን ንሰግእ ኢና ይብል። ሚሲሲፒን ኖርዝ ዳኮታን ካብ መንጎ ደንጉዩ ዝመጸ ድምጺ ዝቕበላ 19 ግዝኣታት ኣመሪካ `የን።

ካብ መንጎአን ከም ነቫዳን ኖርዝ ካሮላይና ዝበላ ወሰንቲ ዝብሃላ ግዝኣታት ኣለዋ። ከም ኮሎራዶ: ኦሪገን: ዩታህ ዝበላ ግዝኣታት ድማ በደብዳበ ኣብ ዝውሃብ ድምጺ ዝምርኮሳ `የን። ደንጉዩ ዝመጸ ድምጺ ማለት እቲ ናይ ሰባት ድምጺ ዝሓዘ ደብዳበ ድሕሪ `ቲ ኣብ 3 ሕዳር ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ እንተበጺሑ ማለት`ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ብደብዳበ ዝግበር ድምጺ ክቃወሞ ጸኒሑ`ዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ኮቪድ-19 ብሰፊሑ ኣብ ጠቕሚ ውዒሉ ስለዝነበረን፡ ትራምፕ ኣብቲ መጎተኡ፡ ድሕሪ ዕለት ምርጫ ዝተቖጽረ ድምጺ ምድንጋር ኔርዎ ኢሉ ኔሩ፡ሽሕ`ኳ ሓቅነት መጎትኡ ክረጋገጽ እንተዘይተኻእለ ። ድሕሪ ስዕረቱ ድማ ብርክት ዝበላ ብሪፓብሊካን ዝዕብለላ ግዝኣታት ብደብዳበ ዝግበር ምውሃብ ድምጺ ክትርርኦ ጀሚረን`የን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG