ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ተሓጋዛይ ንምርዳእ አሜሪካን መሻርክታን ቅሩባት ምዃኖም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝውስኽ ትጽቢት ንዝግበረሉ ቁጽሪ ተሓጋዛይ ንምርዳእ ኣሜሪካን ካልኦት ኣጋራት ምላሽ ንምሃብ ቅሩባት እዮም ኢለን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፓትሪሻ ሃስላክ።ንሰን እዚ ዝበላ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድኦ ቃለ መጠይቕ ክኸውን ኸሎ ኣምባሳደር ፓትሪሻ ሃስላክ ሃገረን ይዛዘም አብ ዘሎ ዓመተ 2015 ኣሜሪካ ናይ 128 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ምኳና ገሊጸን።

ናይ በልጊ ዝናብ ብምጥፍኡ ምስ ናይ ክረምቲ ክስተት ኤል-ኒኖ ተደሚሩ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንድርቂ ተቓሊዖም ኣለው።ህጹጽ ሓገዝ ናይ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ቁጽሪ'ውን 8.2 ሚሊዮን በጺሑ’ሎ።ንናይ ድርቂ ሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ይሕግዙ ካብ መንጎ ዘለው ዓለምለኸ ኣጋራት ቀንዲ ዝኾነ ዩናይትድ ስቴትስ ይልዋወጡ ምስ ዘለው ኩነታት ህጹጽ ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ትገልጽ አብማሳደር ፓትሪሻ።

'መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዓመተ 2015 ንኢትዮጵያዊያን ናይ 128 ሚሊዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ይርከብ።እዚ ድማ ንዝተከለሰ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰነድ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ቅድሚ ምውጽኡ ዝተውሃበ ናይ 42.7 ሚሊዮን ዶላር ከምኡ እውን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ሓድሽ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ዝትውሃበ 85.7 ሚሊዮን ዶላር ወሲኹ'ዩ'ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።


XS
SM
MD
LG