ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ዋዕላ ሕ/ሃገራት ኣብ ባይታ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት የንጸባርቕ


መደረ ዋዕላ ሕ/ሃገራት ኣብ ባይታ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት የንጸባርቕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:34 0:00

መደረ ዋዕላ ሕ/ሃገራት ኣብ ባይታ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት የንጸባርቕ

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብቲ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰሉስ 19 መስከረም 2023 ናይ መጀመርያ ዙር መደረ ኣስሚዖም። መብዛሕቲኦም መደርኦም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንዘሎ ፅንኩር ኩነታትን ኣድላይነት ቕልጡፍ ምምሕያሽ ህይወት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባትን ጠመተ ሂቦም ኣለው።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብቲ ዋዕላ ዘስምዕዎ መደረ "ኣብ ጥምየትን ድኽነትን ዘሎ ክፍተት ንምሕፃር ኢና ናብዚ መፂኢና ዘለና።ቀዳምነት ብቁጠባ ኣዚየን ናይ ዝማዕበላ ሃገራት እውን ንፁር እዩ" ኢሎም።

"ደቅና ዘይጠምይሉ፣ ኩሉ ሰብ ክንክን ጥዕና ዝረኽበሉ፣ ሰራሕተኛታት ዓቕሚ ዝፈጥርሉ ከባቢ ዝሕለወሉ መፃኢ ዓለም ንምስፋን ሓባራዊ ራእይ ምስ ዘለዎም መሻርኽቲ ንሓብረሉ እዩ።"

ዓለም ሕጂ እውን ምስ ጥዕናን ቁጠባዊ ፀገማትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ቅልውላዋት እያ ትቃለስ ዘላ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ቕድሚ ሓደ ሰሙን ኣጠንቂቑ ኔሩ። መራሕቲ ዓለም መሰላት ቆልዑ ካብ ላዕለዎት ኣጀንዳታቶም ክገብሩዎ'ውን ኣተሓሳሲቡ።

ሳዕቤን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይነት እውን ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ መደረታት ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ከይተጠቐሰ ኣይሓለፈን። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተርዝ "ኣብ ደርና ሊቢያ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ደርና ዘሕዝን ፍፃመ ኩነታት ዓለምና እያ" ኢሎም።

ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ደኒስ ፍራንሲስ ነገራት ክሳብ ክንድ'ዚ ኣፀጋሚ ክኸውን ኣይምተገብኦን ነይሩ ኢሎም።"ፍልልያትና ናብ ጎኒ ብምግዳፍን ዝኸፋፍሉና ብምፅባብን ፀገማት ክንፈትሕ ንኽእል ኢና። ኣብ ኩሉ ቦታ ሰላም፣ምዕባለ፣ብልፅግናን ክነረጋግፅ ኣለና።"

ኣብ ናይ ሎሚ ረቡዕ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ተወሰኽቲ መራሕቲ ዓለም ስጉምታት ክውሰዱ ተወሰኽቲ ፃውዒታት ከቕርቡ ትፅቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG