ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፀብፃብ ሰብኣዊ ብልፅግና ሕ/ሃ ወግዓዊ ኮይኑ


UNDP report
UNDP report

ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ምዕባለ ሕ/ሃ (UNDP) ሚሲስ ኣሁና ኢዚያኮንዋ ኦኖቺ ክዛረባ ከለዋ፣ዝርግሐ ልምዓት ዘይምዕሩይ ምኻኑ ዝሓበረ’ዩ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንድሕሪት ክተርፍ የብሉን’ ይብላ፣

ብልፅግና ሰባት ምዕሩይ ኣይኮነን። ድኽነት እውን ይውስኽ ኣሎ። እቲ ምዕባለ ንዝተወሰኑ ኣካላት ማሕበረሰባት፣ ዝተገፍዑን ንድሕሪት ዝተረፉን ንጎኒ ገዲፉዎም ሓሊፉሎ’ ኢለን።

ብመሰረት እዚ መዐቀኒ’ዚ፣ ኣብ ዓለም ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናብራ ይሳቐ’ሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ኣሁና ኢዚያኮኑዋ ወሲኼን ንዓና ንኣፍሪካዊያን ዘተሓሳስበና እዚ ፀብፃብ እዚ ካብ መንጎ ዝዳህሰሰን 188 ሃገራት እተን 41 ሃገራት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ሰብኣዊ ልምዓት ዝርከባ መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪካ ምኻነን’ዩ’ ኢለን።

ኣብቶም ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝለዓለ ቁጠባውን ማሕበራዊን ዕብየት ከምዘመዝገበት ዝገለፁ ድማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ፕላን ኢትዮጵያ ዶ/ ይናገር ደሴ እዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:40 0:00

XS
SM
MD
LG