ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ - ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ እትገልጽ መጽሓፍ "ሕልሚ ሳራ" ተሓቲማ፡ ተዘርጊሓ


ኤርትራ - ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ እትገልጽ መጽሓፍ "ሕልሚ ሳራ" ተሓቲማ፡ ተዘርጊሓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:25 0:00

ኤርትራ - ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ እትገልጽ መጽሓፍ "ሕልሚ ሳራ" ተሓቲማ፡ተዘርጊሓ

ብክኢላ መወለዳን ነርስ እልልታ ኣብርሃም ዝተጻሕፈት፡ “ሕልሚ ሳራ” ዘርእስታ ብመልክዕ ልብ-ወለድ ዝተጻሕፈት፡ ንሳዕቤናት መርዓ ትሕቲ ዕድመ እትገልጽ መጽሓፍ ዝሓለፈ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023 ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ።

እዛ መጽሓፍ ኣብ ውሽጣ ንጠንቅን ሳዕቤናትን ትሕቲ ዕድመ መርዓ ዝገልጹ ጥዕናውን ስነ ፍልጠታውን ትሕዝቶታት ዘጠቓለለት መሃሪት መጽሓፍ ከም ዝኾነት ጸሓፊኣ ሲስተር እልልታ ሓቢራ።

ነቲ ጥዕናዊ ሓበሬታ ኣብ ክንዲ እዚ ግበር እዚ እንተገይርካ፡ እዚ ሳዕቤን ኣለዎ ምባል፡ነቲ ክመሓላለፍ ዝድለ ሓበሬታ፡ ሓንቲ ገጸ ባህሪ ፈጢርካ ብመልክዕ ዛንታ፡ ነቲ ጥዕናዊ ምኽርን ሓበሬታን ምምሕልላፍ ዝሓሸ ኮይኑ ስለ ዝረኽበቶ ብመልክዕ ልብ-ወልድ ክትጽሕፎ ከም ዝመረጸት ሲስተር እልልታ ገሊጻ።

ኣብ ሞያ መወልዳን ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ተመክሮ ከምዘለዋ ዝገለጸት ሲስተር እልልታ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2015 ኣብ “ክንክን ጥዕና ኣብ ግዜ ጥንሲ፡ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን”፡ ኣብ 2017 ከኣ “ፍርያምነት ብመደብ” ዝብላ መጽሓፍቲ ኣሕቲማ ከም ዝዘርግሐትን ሓቢራ።

ነተን መጽሓፍት ኣብ ስራሕ ብግብሪ ካብ ዘጋጠማን ዝተዓዘበቶ ጸገማትን ተበጊሳ ከም ዝጸሓፈቶ እትገልጽ ሲስተር እልልታ፡ እዘን መጽሓፍቲ ብቐንዲ ንኣዴታት ዝዓለማ ከም ዝኾና ብምጥቃስ ከም መወከሲ ክኸውን ኢላ ከም ዘዳለወተን ሓቢራ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG