ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ሰልፊ ኣብ ኒው-ዮርክ ተኻይዱ


ካብ መሬት ተዃዒቶም ዝወፁ ከም ከሰል ፣ነዳዲን ናይ ተፈጥሮ ጋዝን ዝበሉ ምንጪ ጸዓትን ነዳዲ ዘይቲን ብምውፃእ የጋጥም ኣሎ ንዝበሉዎ ዘይፍትሓውነት ሓለዋ ከባቢ ብዝምልከት ፕረዚደንት ባይደን ፍታሕ ከናድዩ ዝጽውዕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ዝትሳተፍሉ ትማሊ ሰንበት ናብ ጎደናታት ኒው ዮርክ ውሒዞም።

እቲ ሰልፊ ዝጀመረ መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝእከብሉ ዘለውን ሰለስተ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ኩነታት ኣየርን እዩ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰልፊ 75,000 ሰባት ምስታፎም ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ገሚቶም ኣለው።

ኣመሪካ ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ኣፍራይትን ተጠቃምትን ላምባን ጋዝን እያ። ካብ ሎሚ ክሳብ 250 ላምባን ጋዝን ንምውፃእ ኣብ ዓለም ክካየዱ ዝተተለሙ ኳዕቲታት ዳርጋ እቲ ሓደ ሲሶ ብረብሓታት ኣመሪካ ከምዝካየድ ተሓለቕቲ ከባቢያዊ ሓለዋ ይግብጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG