ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ከምዝልግሱ ተመባጺኦም


ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ዘድልይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክልተ ሲሶ ትማሊ ቃል ከም ዝተኣትወሉ ኣፍሊጡ።

ዕላማ እቲ ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ብሪጣንያን ብምትሕብባርን ኣብ ጀነቫ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዘተዳለወ ስነ ስርዓት ምትእኽኻብ ሓገዝ ንናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንዘድልዮም 15.5 ሚልዮን ሰባትን ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም 10.4 ሚልዮን ረድኤት ንምቅራብ እዩ።

ኣመሪካ ኣስታት 154-ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ምሃባ ቤት-ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ'ሎ።

21 ሃገራት 628.9 ሚልዮን ዶላር ኣብዚ ዓመት እዚ ንሰብኣዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ንምሃብ ቃል ኣትየን'ለዋ። ዝበዝሐ ሓገዝ ካብ ዝሃቡ ኣካላት ቀዳመይቲ ኣመሪካ ስዒባ ብሪጣንያ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ምዃኖም ምትሕብባር ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኢትዮጵያ ብስንኪ ደርቂ፡ ውሕጂን ጎንጽን ኣድላይነት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ እናዓበየ ይመጽእ'ሎ። ኣብዚ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክራማት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ጊዜ ቁጽሪ ስእነት ውሕስነት መግብን ጉድለት ኣመጋግባን ዘጋጥሞም ሰባት 10.8 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝክእል ትጽቢት'ሎ።

4.5 ሚልዮን ድማ ኣባይቶም ራሕሪሖም ዝሃደሙ ከምዘለው ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ኣብ ስርዓተ ኣገልግሎት ጥዕና ጸገማት ክውስኽ ይክእል'ዩ ዝብል ሻቅሎት ፈጢሩ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2024 ነታ ሃገር ንዘድልያ 3.24 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾነን ካብዚ ድማ እቲ 5% ጥራይ ከምዝተረኽበ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG