ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኲናት ትግራይ ገበናት ኲናት ምፍጻሙ መርማሪ ኮሚሽን ሕ/ሃገራት ገሊጹ


ኣደ-መንበር እቲ ኮሚሽን ካሪ በትይ ሙሩንጊ
ኣደ-መንበር እቲ ኮሚሽን ካሪ በትይ ሙሩንጊ

ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሰ መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተወልዐ ኲናት ብሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ዕንወትን ምፍጻሙ ኣመልኪቱ። እቲ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምውህሃድ ዝሰርሕ ኮሚተ ኣብ ጸብጻቡ፡ ገበናት ኲናት ብዅላቶም ኣካላት ከም ዝተፈጸመ ከመልክት እንከሎ፡ ብፍሉይ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ከም መሳርሒ ምጥቃሙን ብሰራዊት ኤርትራ “ጾታዊ ጊልያነት” ኢሉ ዝሰመዮ ሰፋሕቲ ዓመጻት ምክያዱን ጸብጺቡ።

እቲ ኲናት ሃዲኡ ጸኒሑ ዳግም ምውላዑን ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ድሮናት ምክያዱን ንዝሰፍሐ ሲቪላዊ ህልቂት ምፍጻሙ እቲ ቅልውላው ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰስ ንቐርኒ-ኣፍሪቃ’ውን ዝጸሉ’ዩ ክትብል ኣደ-መንበር እቲ ኮሚሽን ካሪ በትይ ሙሩንጊ ተዛሪባ።

ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ዘቕረበት ሙሩንጊ ነቲ መጽናዕቲ ንምክያድ 185 ሰባትን መሰኻኽርን ከም ዘዛረቡ ሓቢራ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበናት ኣንጻር ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክጽብጸብ ዝኽእል ከም ዝፈጸመ ዘመልክት ዝእመን ሓበሬታ ምርካቡ ይሕብር። እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰታት ጾታዊ ዓመጽ፡ መቕተልቲን ካልእ ምጕስቓልን ኢዩ። ገለ ካብቲ ኣገባባት ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ እቲ ኮሚሽን የመልክት።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ዕድመ ስልጣኑ የሕሊፉ’ዩ ክብል ነጺጉዎ ኣሎ። ኤርትራ’ውን ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰታት ኣቐዲማ ምንጻጋ ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይጠቅስ።

ክልል ትግራይ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ብሓጎስ ክቕበሎ እንከሎ፡ እቲ ኮሚሽን ፈጺሙዎ ዝበሎ በበይኑ ስሕተታት ግን ተቓዊሙዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG