ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪዬ ኣብ ሶማል ምብጻሕ የካይድ


ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪዬ ትማሊ ሰሉስ 23 ሚያዝያ 2024 ኣብ ወደብ ከተማ ሞቃድሾ በጺሑ። ምብፃሕ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪዬ ኣብ ሶማል ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ሶማልን ቱርኪን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምትሕብባር ምክልኻልን ቁጠባን ዝሰዓበ ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምብጻሕ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድን ንሚንስተር ምክልኻል ዓብዱልቃድር መሓመድ ኑር ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ሶማል ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ ፕረዚደንት ሓሰን “ እዚ መደብ እቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ቱርኪዬን ዝተፈረመ ስምምዕ ናብ ትግባረ ምስግጋሩ ዘርእይ እዩ” ኢሎም።

ኣብ ቐረባ ዓመታት ቱርኪዬ ዝቐረበት መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማል ትኸውን ኣላ። ኣንካራ ኣብ ሶማል ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ትሕተ-ቅርጺን ዝሃነጸት ክትከውን ከላ ብተወሳኺ ንሶማልያውያን ተማሃሮ ኣብ ቱርኪ ከይዶም ንኽመሃሩ ዕድላት ናፃ ትምህርቲ ምሃባ'ውን ይፍለጥ። ኣብ 2017 ቱርኪዬ ኣብ ሞቃድሾ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ምምስራታ ዝዝከር እዩ። ብተወሳኺ ንወተሃደራትን ፖሊስን ሶማል ስልጠና ሂባ'ያ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪዬ ሰርካን ዶጋን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ዓለምለኸ ንግዲ ምርግጋእ ዝፈጥር'ዩ ኢሎም።። ኣብ ቀረባ እዋናት ብብዝሒ ክረኣ ዝጸንሐ ጭውያታት መራኽብ ፅዕነትን ገፈፍቲ ዓሳን ከምኡ'ውን ይዓቢ ዘሎ ሽፍትነት ባሕሪ ንብዙሓት ዓለምለኸ ወገናት ከሻቅል ጸኒሑ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG