ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ዓለም ንውጽኢት ምርጫ ኣሜሪካ


ኣሜሪካዊያን ዶናልድ ትራምፕ ዝቕፅል ፕሬዝዳንት ሃገሮም ክኾኑ መሪፆም ኣለው።ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንደሓር ብብዝሒ ተኸታታሊ መዘና ኣይተረኽቦን ዝተብሃለሉ ምርጫ ውፅኢቱ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዝህልዋ ፖሊስን መርገፅን መሊኡ ዝቕይር ክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ነበርቲ ለንደን እቲ ስንባደ ብሪታኒያ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ ንምውፃእ ድምፂ ዝሃበትሉ ዝዓዘዘ እዩ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም መራሕትን ዕዳጋን ናብ ዘይፍልጥዎ ነገር ይኣትው ከምዘለው እዩ ተሰሚዑዎም።ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ንስምምዓት ንግዲ ከምዝስርዝዎ ተዛሪቦም እዮም።ብፅሒተን ዘይኸፍላ ኣባላት ወታደራዊ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ብዝምልከት ዝተዛረቡዎ ሓዊሱ ኣብ ዕዳጋ ኣሉታዊ ምልክት ኣለዎ።ጋዜጠኛ መፅሄት ፋይናኒሻል ታይምስ ማርቲን ዎልፍ ከምዚ ይብሉ።

“ሰባት እንታይ እዮም ዝርእዩ ዘለው ኣብ ዓለም ተራ ኣሜሪካ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ፈፂሙ ዝተፈለየ ኣረኣእያ ዘለዎ፣ንዝፀንሑ ቁምነገራት ጥምረት ብምፋላይ ምስ ኔቶ ዝፀንሐ ስምምዕ ዘይተቐበለ ሰብ እዩ።ኣሜሪካ ዝፈጠረቶን መፅብዓ ዝኣተወትሉን ሊበራል ስርዓተ-ንግዲ ዘይቕበል፣ኣሜሪካ እትሰርሓሉ ግሎባላይዘሽን ዘይቕበል፣ናብ ኣውሮጳ ዘይይኮነስ ከም ሩሲያ ናብ ዝኣመሰላ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኣሜሪካ ዘዘምበለ ሰብ እዮም ዝሪኡ ዘለው።”

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ግብረ መልሲ ዓለም ንውጽኢት ምርጫ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:57 0:00

XS
SM
MD
LG