ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

US ንዘንበረቶ እገዳ ግብረ መልሲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን


Secretary of State Antony Blinken
Secretary of State Antony Blinken

ዩናይትድ ስቴትስ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩን ዘልውን ሰባትን ስድራኦምን፣ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ዘእቱ ቪዛ ንከይረኽቡ ከምዝወሰነት ምግላጽና ዝዝከር እዩ።

ሚኒስትር ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንተንይ ብለንክን ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይሓልፍ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎን እዚ ጸገም’ዚ እንተቀጺሉ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል’ ገሊጾም።

መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ‘እቶም ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ጕጅለታት ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ዋላ’ውን እንተተገብረ፣ ውግእ ደው ከብሉ ወይ ፖለቲካዊ ቕልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኣይካኣሉን፣ መንግስቲ ኤርትራዊ ብወገኑ፣ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከማልእን፣ ንሰራዊቱ ናብቲ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ክልል ኤርትራ ንኺመልሶምን ጻውዒት ነቅርብ ኣለና’ ከምዝበሉ’ውን ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ’ዚ ሪፖርት’ዚ ዝቀረበሉ ጊዜ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ የለን። ምስ ረኸብና ክነስመዐኩም ኢና። ንሎሚ ግብረ መልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክነቅርበልኩም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:01 0:00


XS
SM
MD
LG