ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዘኽእሉ መደባት ኣብ ቦተኦም ኣለው ኢለን ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ


ኣዳራሽ መቐለ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት
ኣዳራሽ መቐለ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት

'ንጹር ትልሚ፣ ኣየናይ? መዓስ? ብከመይ ይትግበሩን ይፍፀሙን ዝብሉ መስራሓት ተነጺሮም'ለው' ይብላ ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ትግራይን ምክትል ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ሰናይ ምሕደራ'ቲ ክልል ወ/ሮ ኣረጋሽ በየነ።

ቀዳማይ ዕላማና ናይ ልምዓት ጠለብ ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ምፍጣር ዝብል'ዩ ነይሩ ንሱ'ውን ኣዓዊትናዮ ኢና፣ እታ ተሪፋትና ዘላ መደብ ድማ ሕቶ ሕ/ሰብ ናይ ምምላስ ዓቅሚ ምጥራይ'ዩ በላ ንሰን። እዚ ዓብዪ ብድሆን ዕድልን'ውን'ዩ ባሃሊት'የን ወ/ሮ ኣረጋሽ።

ህዝቢ ትግራይ ተዛሪቡ ዝሰምዖ ይስእን ኣሎ ዝብሉ ወገናት ኣብ'ዚ ዳሕረዋይ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዝተላዕሉ ኣገደስቲ መረረት ህዝቢ ከምዝተተግበሩ ከመይ'ዩ ዝረጋገፅ? ንዝብል ዝቀረበለን ሕቶ ክምልሳ ከለዋ 'ዓባይ መመለሲታ፣ ቀፃልነት ዘለዎ ውዕይን ዝተወደበን ህዝቢ ምኹላዕ'ዩ። ህዝቢ መቕሎ እንተኾይኑ ዝህርስ ኣመራርሓ ኣይክህሉን። ዝሓምቅ ኣመራርሓ የለን' ኢለን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:17 0:00

XS
SM
MD
LG