ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ኣቡን ኣውስትራልያ ይሓውዩ ምህላዎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያ ከለዉ ብኻራ ዝተወግኡ ኣቡን ቤተክርስትያን ኣሲራውያን፡ ቀልጢፎም ይሓውዩ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣቡን ምብራቓዊት ቤተ ክርስትያን፡ ነቲ ሃራሚኦም ምሕረት ከምዝገበሩ ሓቢሮም ኣለው። ድሕሪ`ቲ ናይ ካራ መውጋእቲ ናዕቢ ተላዒሉ ኔሩ።

ፖሊስ ድማ ምጽራዩ ቀጺሉ`ሎ። እቲ ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ኩነታት ንሂሩ ዝሓለፈ ቀዳም `ውን ብዝነበረ ክልተ ናይ ካራ ማህረምቲ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም`ዮም።

እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ኣሲርያን ዝብሃል ምብራቓዊ ኣምልኾ ዝኽተሉ ኣቡነ ማር ማሪ ኤማኑኤል ኣብ ሕክምና ኮይኖም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ “ ድሓን እየ ቀልጢፈ እሓዊ ኣለኹ፡ ብዛዕባይ ኣይትጨነቑ፡ ነቲ ነዚ ዝገበረ ድማ ይቕረታ ጌረሉ ኣለኹ ምባሎም ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።

ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ፈጻሚ'ቲ መጥቃዕቲ ክሲ ተመስሪትዎ`ሎ። ኣቡን ኤማኑኤል ንዝምድና ተመሳሳሊ ጾታን ክታበት ኮቪድ-19ን ዝነቕፉ ምንባሮም ይጥቀስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG