ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ራማፎዛ ንምቅጻል ባንዴራ ኣብ መወዓውዒ ጎስጓስ፡ “ዝኸፍአ ሃገራዊ ክድዓት” ክብሉ ገሊጾምዎ


ፋይል
ፋይል

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰልፊ ሕብረት ደሞክራሲ (Democratic Alliance) ኣብ ናይ ምርጫ ጎስጓሱ ባንዴራ እታ ሃገር እናተቓጸለት ምርኣዩ፡ “እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ክድዓት’ዩ” ክብል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪዩል ራማፎዛ ገሊጹዎ።

ንሃገራዊ ምርጫ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ እቲ ሊበራላዊ ቍጠባዊ ኣረኣእያ ዘለዎን ዝያዳ ብጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝዕብለልን ሰልፊ ሕብረት ደሞክራሲ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝፈነዎ መወዓውዒ ጎስጓስ፡ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባይቶ (ANC) ምስቶ ኣመና ጸጋማዊ መርገጺ ዘለዎ ናይ ጁልየስ ማሌማ ተቓለስቲ ቍጠባዊ ሓርነት (Economic Freedom Fighters (EFF)) ምስ ሓበሩ፡ ባንዴራ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትቃጸል እንከላ ዘርኢ’ዩ።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ንተግባር እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ “ንመስዋእቲን ክብሪ ሃገርን ዘነኣእስ ሕሱር ወስታ” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ካብቶም ዓበይቲ ዓዲ ናይቲ ሰልፊ ዝርኣዩ ሄለን ዚለ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ’ቲ ቃልሲ ዝተራእየ ጥልመት ንምግላጽ ኢና ነቲ ምቅጻል ወኪልናዮ፡” ክትብል ጽሒፋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG