ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል: ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ክትሃንጾ ዝመደበት ሓይሊ ባሕሪ ከምዘይትቅበሎ ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

ሶማል ኢትዮጵያ ኣብቲ ካብ ሶማል ዝተፈለየት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ዘቕረበቶ ውጥን ከምዘይትቅበሎ፡ እንተኾነ ክልቲኣዊ ምርድዳእ ምስ ዝብጻሕ ንንግዳዊ መዓላ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህብ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓደ በዓል ስልጣን ሶማል ብዓርቢ ምሕባሩ ሮይተርስ ገሊጹ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትውንን ኢትዮጵያ 20 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ወሰን ባሕሪ ንምክራይ ብለውጡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ነፃ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ መዘክር ድሕሪ ምፍርራማ ዲፕሎማሲያ ውጥረት ኣብ መንጎ ክቲ ኣን ሃገራት ፈጢሩ'ዩ።

ነቲ ምስሕሓብ ንምህዳእ ኬንያ ምስ ጅቡቲን ኢጋድን ብምምኽኻር ኣብቲ ዞባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብንግዳዊ ስምምዕ ወደባት ከመይ ክረኽባ ከምዘለው ዝሕብር ውዕል ባሕሪ ዝምልከት ንድፊ ወይ እማመ ምቕራባ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኬንያ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊፁ ነይሩ።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ሶማል ዓሊ ኦማር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃብዛዕባ ወደብ ቅድሚ ምዝርራብና ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዘፈረመቶ ስምምዕ ክተፍርሶ ኣለዋ ኢሉ ል።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ርእይቶ ንምሃብ ፈቓደኛ ኣይኮነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG