ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማል ንነባር መሪሕነት ግንባር ነጻነት ኦጋዴን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡዎ


መንግስቲ ሶማል ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዓብዲሓኪም ሼኽ ሙሴ ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ምሃቡ ብምኹናን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ክኣትው ግንባር ነጻነት ኦጋዴን/ኦብነግ/ሓቲቱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣባል መሪሕነት ኣብ ኢዱ ከምዝርከብ ኣረጋጊፁ’ሎ።

ቀልቢ ዳጋ ብዝብል ሽም ዝፅውዑ ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ናይ ሶማል ከተማ ጋልካዮ ብሰራሕተኛታት ፀጥታ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 17 ነሓሰ 2009 ዓ.ም ከምዝተትሓዙ ናይቲ ውድብ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ኮሚኒኬሽንን ሓበሬታን ኣቶ ሓሰን ኣብዱላሂ ገሊፆም።

ንሶም ብተወሳኺ ቀልቢ ዳጋ ወይም ዓብዲከሪም ሼኽ ሙሴ ካብ መንግስቲ ሶማል ንምፍታሕ ዝተገብረ ፃዕሪ ከይሰመረ ተሪፉ 22 ነሓሰ 2009 ዓ.ም ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ሂቦምዎም ኢሎም።

እቶም ወሃቢ ቃል እቲ ተግባር ንዓለምለኸ ሕጊ ዝፃረር እዩ ኢሎም።

“ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ኣብ ሞቓድሾ ንሰለስተ ዓመታት ይነብር ዝነበረ ሓደ ዜጋ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ፍቑድ ኣይኮነን።እዚ ብመንግስቲ ሶማል ዝተፈፀመ ተቐባልነት ዘይብሉ ፀያፍ ተግባር ስለዝኾነ ንኽኑኖ።”

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝራብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓብዱከሪም ሸኽ ሙሴ ኣብ ኢዱ ከምዝርከብ ዘረጋገፁ ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ከምዚ ኢሎም።

“እዚ ሰብ እዚ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኦብነግ እዩ።ዝተዋፈረሉ ተግባር ቅድሚ ሎሚ ክግለፅ ከምዝፀንሐ ናይ ኦብነግ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ብምዃን ይንቀሳቐስ ስለዝነበረን ብመንግስቲ ብግብረሽብራ ካብዝተመደቡ ሓደ ምዃኑን ስለዝፍለጥ በዚ እዩ ተታሒዙ።”

ኦብነግ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ እናተነሳቐሰ ብረታዊ ቓልሲ ዘካይድ ተቓዋሚ ጉጅለ ክኸውን ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ኢሉ ካብ ዝመደቦም ካልኦት ውድባት ሓደ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መንግስቲ ሶማል ነባል መሪሕነት ኦብነግ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኺቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00


XS
SM
MD
LG