ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

21 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ጂቡቲ ሞይቶም፡ ደሃይ ካልኦት 23 ድማ ኣይተፈልጠን


ፋይል
ፋይል

ካብ የመን ብመንገዲ ጂቡቲ ኣቢሎም ክምለሱ ዝፈተኑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ፡ 21 ሞይቶም ካልኦት 23 ደሃዮም ከም ዘየሎም፡ ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኢትዮጵያ ካየ ቪራይ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።

ንሳ ከም ዘብርሃቶ’ውን እቶም ስደተኛታት ንየመን ዝኸዱ ዘይኰነስ ካብኡ ዝምለሱ ምንባሮም’ውን ኣብሪሃ ኣላ። እቲ ትካል ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ዝቐደሙ 38 ግዳያት እቲ ሓደጋ’ውን ከምቲ ብገለ ማዕከናት ዜና ዝተገልጸ ካብ የመን ዝምልሱ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

እታ ጃልባ 77 ተጓዓዝቲ ሒዛ ምንባራ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት ቆልዓ-ሰበይቲ ከም ዝርከቡዎም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጠቒሱ ኣሎ። ሓለዋ ባሕሪ ጂቡቲ ኣብ ንምድሓን እቶም ሓደጋ ዘጋጠሞም ስደተኛታት ምስታፉ’ውን እቲ ትካል ይሕብር።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቡዎም 38 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መስመርን ሓደጋን ካብ የመን ንጂቡቲ ክምለሱሉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ምሟቶም ይዝከር።

ሓያሎ ኢትዮጵያዊያን ናብ የመን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ኣብ መንገዲ ተደጋጋሚ ሓደጋታትን ግዳይ ጭውያን ይዀኑ ምህላዎም ብሰፊሑ ይጥቀስ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ’ውን ግዳይ ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ማእሰርቲን ስለ ዝዀኑ፡ ብዝተፈለላየ እብረ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንኢትዮጵያ ምምጻኦም ይዝከር።ድሒሩ ኣብ ዝሰዓበ ምዕባለታት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ጂቡቲ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ 16 ናብ ናብ 21 ምድያቡ ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኢትዮጵያ ካየ ቪራይ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG