ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲሳይ ለማ ተዓዋቲ ቦስተን ማራቶን ኮይኑ


ሲሳይ ለማ
ሲሳይ ለማ

ኣትሌት ሲሳይ ለማ ድሕሪ’ቲ ዝረኸቦ ዓወት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ "ፔስ ሜከር ወይካኣ መጓየዪቲ ስለዘይነበሩና፣ ብናይ ገዛእ ባዕለይ ናህሪ ምስ ሙሉእ ርእሰ ምትእምማን እየ ተሳቲፈ" ኢሉ።

ሲሳይ ለማ ወሲኹ ብዛዕባ'ቲ ውድድር "ድሕሪ 25ን 30 ኪ.ሜ ግና ከተማ ቦስተን፣ ቁልቁለትን ዓቐበትንን ስለዝበዝሖ ከምድልየተይ ክጎዪይ ኣይካኣልኩን" ይብል ።

እንተኾነ ንመጓየዪቲ ድሕሪ ሓደ/ክልተ ኪ.ሜ ገዲፈዮም በይነይ ስለዝተበገስኩ ፈጣሪ ሓጊዙኒ ደስ ብዘብል ኣገባብ እየ ነቲ ቅድድም ዛዚመዮ ኢሉ።

ካብ’ዚ ንዳሓር ንኦሎምፒክ እየ ምቅርራብ ክጅምር። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ዝተበላሸወና ቅድድም ማራቶን ኣሪምና ኣብ ቀጻሊ ንክንዕወት ክሰርሕ እየ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG