ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሰኔተራት ኣመሪካ ስምምዕ ኣግዋ ክናዋሕ ዝጠልብ ንድፈ-ሕጊ ናብ ሰነት ኣቕሪቦም


 ሰነተር ክሪስ ኩንስ ፋይል
ሰነተር ክሪስ ኩንስ ፋይል

ኣመሪካዊያን ሴነተራት ክሪስ ኩንስን ጀምስ ሪሽን ምስ ገለ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝካየድ ጽምዶታት ንግዲ፣ ዕድላትን ዕብየትን ንግዲ ኣፍሪቃ (ኣግዋ) ንክናዋሕ ዝጠልብ ንድፈ-ሕጊ ናብ’ቲ ሴነት ትማሊ ሓሙስ ኣቕሪቦም።

ስምምዕ ኣግዋ፣ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃን ንገለ ፕሮግራማት ንግዲ ዝምልከትን ዓሙቕ ርክባት ወፍሪን ሓያል ንግዳዊ ጽምዶ ንክህሉ ዘኽእልን እዩ።

ብመሰረት ፈላማይ ዕላምኡ ቅድሚ 24 ዓመታት ዝጀመረ ሕጊ ኣግዋ ንዓመታ ዕድሚኡ ከብቅዕ እዩ ።

ሴነተር ክሪስ ኩንስን ሴነተር ጀምስ ሪሽን ዘቕረብዎ ረቂቅ ሕጊ ምንዋሕ ዕድመ ኣግዋ፣ ብካልኦት ሴነተራት ሚካኤል በኔት፣ ዲክ ደርቢን፣ ማይክ ራውንድን ቶድ ያንግን’ውን ደገፍ ዝረኸበ ተሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG