ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩዋንዳ ንውሳነ ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ትድግፍ


ስደተኛታት ኣብ ብሪጣንያ ዝኣትውሉ ዝነበሩ ዝተወሰደ
ስደተኛታት ኣብ ብሪጣንያ ዝኣትውሉ ዝነበሩ ዝተወሰደ

መንግስቲ ሩዋንዳ ንስደተኛታት ኣመልኪቱ ፓርላማ ብሪጣንያ ንዘሕለፎ ውሳነ ብምድጋፍ ሃገሩ ካብ ብሪጣንያ ዝምለሱ ስደተኛታት ንምቅባል ድልውቲ ምዃና ምግላፁ ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ምኽትል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ኣላይነ ሙኩራሊንዳ "ብሪጣንያ ነዚ ፅቡቅ ሽርክነት ዝፈጥርን ንስደተኛታት ፍታሕ ዝኸውንን ውሳነ ምሕላፉ ምስማዕ ጥዑም ዜና እዩ” ኢሎም።

ባይቶ ብሪጣንያ ንገለ ስደታኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምምላስ ሕጊ ኣፅዲቁ'ሎ። እዚ ውሳነ ነቲ መንግስቲ ካብ ፈረንሳ ብመገዲ እንግሊዝ ቻነል ኣቢሎም ናብ ሃገሩ ዝኣትው ስደተኛታት ንምክልኻል ኣመልኪቱ ድሕሪ ዘካየዶ ኣካታዒ ውጥን ዝሰዓበ ውሳነ እዩ።

ትማሊ ሰሉስ ሓንቲ ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ ሑፃ ብምሽኻላ ሓሙሽተ ስደተኛታት ሞይቶም። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ነዚ ፍፃመ ብምጥቃስ “ትልሚ ሩዋንዳ ከምዚኦም ዝበሉ ሓደጋታት ሞት ስደተኛታት ጠጠው ንምባል ተግባራዊ ፍታሕ 'ዩ" ክብሉ ንኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ነቶም ስደተኛታት ንምቅባል ዝተዳለወ በጀትን መደብን ቅሩብ ምኳኑ እውን ሓቢሮም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉጅለ ስደተኛታትን ኣንፃር እቲ ዘይ-ስነምግባራውን ኢ-ሰብኣውን ዝበልዎ ፖሊሲ ቃልሶም ክቕፅሉ ቃል ኣትዮም።

ንነዊሕ እዋናት ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ዑቕባ ክረኽቡ ፀኒሖም እዮም።

መንግስቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ግን ነዞም ስደተኛታት ኣብቲ ኣቀዲሞም ዝኣተዉሉ ዓዲ ዑቕባ ብዘይምሕታቶም ስደተኛታት ክሕሰቡ የብሎምን ይብል።ብሪጣንያ ነዚ ብስደተኛታት ዝፍፀሙ ሓደገኛ ጉዕዞ ንምትራፍ ኣብ 2022 ብጀላቡ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ብምምላስ ኣብኡ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ምስምማዓ ዝዝከር እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ዛጊት ዝተመልሰ ስደተኛ የለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ግን ቀዳማይ ዙር በረራ ተመለስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምዝፍፀም ገሊፆም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG