ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዩክሬን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ፈጺማ


ሩስያ ኣካል እቲ ንትሕተ ቅርጽታት ዩክሬን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብሚሳይልን ድሮንን ንሓደ ካብቶም ዓበይቲ ትካላት ጸዓት ዩክሬን ምዕናዋ ሰበ-ስልጣን ትማሊ ሓሙስ ገሊጾም።

እቲ ንኪየቭ: ክፍለ-ግዝኣታት ቸራስኪን ዝይቶምይርን ቀረብ ጸዓት ዘቅርብ ዝነበረ ዝዓበየ ትካል ጸዓት ትሪፕልስካ ሓያለ ግዜ ብዝተፈጸሞ ደብዳባት ትራንስፎርመርን ጀነረተራትን ብሓዊ ምንዳዱ ተገሊጹ'ሎ። ኣብቲ ናይ ፈለማ መጥቃዕቲ ሰራሕተኛታት ህይወቶም ንምድሓን ክሃድሙ ከምዘገደደ ኣቦ መንበር ቦርድ ተቆጻጸርቲ እቲ ትካል ኣንድሪ ጎታ ገሊጾም።

ንሶም ወሲኾም እቲ ትካል ብሓዊ ክነድድን ብትኪ ክሽፈንንን ምርኣዮም ብምግላጽ ኣዝዩ ዘሰንብድ ክብሉ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ነቲ ዩክሬንን ኣብ ልዕሊ ትካላት መጻረይ ነዳዲ ዘይቲ ሩስያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምላሽ እዪ ኢሎም።

ብዉሑዱ ካልኦት 10 መጥቃዕታት ኣብ'ታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ካራኪቭ ንዝርከቡ ትካላት ጸዓት ከም ዝጎድእ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

መራሕቲ ዩክሬን ተወሳኺ ስርዓተ መከላኸሊ ኣየር ክወሃቦም እንተሓተቱ እዃ ዛጊት ግን ኣይመጸሎምን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG