ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፑቲን ካብ ትራምፕ ንባይደን ከምዝመርጹ ገሊጾም


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ዶናልድ ትራምፕ ዝያዳ ተመክሮ ኣለዎም ብምባል ንፕረዚደንት ባይደን ንካልኣይ ናይ መዝነት እዋን ተዓዊቶም ክርእዩ ከምዝመርፁ ገሊፆም።

ፑቲን ምስ መንግስታዊ ቴለቪዝን ሃገሮም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ምስ ዝተመረፀ ፕረዚደንት ኣመሪካ ከም ዝሰርሑ ብምግላፅ ግን ብመንፅር ኣረኣእያ ሩስያ ባይደን እንተዝዕወቱ ከምዝመርፁ ብዘየማትእ ተዛሪቦም። ባይደን ዝያዳ ምኩርን ፍሉጥ መርገጺ ዘለዎምን ነባር ፖሎቲከኛ’ዮም ዝበሉ ፑትን ግን ህዝቢ ኣመሪካ ምስ ዝመረፆ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ብዛዕባ ጉዳይ ጥዕና ባይደን ዝተሓቱ ፑትን ሓኪም ኣይኮንኩን ብምባል ብዛዕባ’ዚ ርእይቶ ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ መሊሶም።

ብዛዕባ ሃገራት ኪዳን ኣትላንቲክ(ኔቶ) ብዝምልከት ኣመሪካ ናይ ምውሳን ጉዳይ ናታ’ዩ ዝበሉ ፑትን ንኔቶ ናይ ኣመሪካ መሳርሒ ፖሊሲ ወፃኢ'ዩ ክብሉ እውን ገሊፆሞ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG