ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጋዜጠኝነት አጸጋሚ ዞባ’ዩ” ኣርቲክል 19


ኣኼባ ነጻነት ፕረስ ኣብ ኬንያ
ኣኼባ ነጻነት ፕረስ ኣብ ኬንያ

ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጋዜጠኝነት ኣፀጋሚ ከባቢ እዩ ክብል ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላጽ መሰል ዝሕልቕን ኣርቲክል 19 (Article 19) ዝተባህለ ትካል ገሊጹ።

ብኻልእ ዜና ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል CPJ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ዝዕፍን ሕጊ ክሳብ ዘየመሓየሸት ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍትሓ ጥራሕ ነፃነት ፕረስ ተኽብር’ያ ከብላ ኣይክእልን እዩ ኢሉ።

ንነፃነት ሓበሬታ ዝሕለቕ ኣርቲክል 19 (Article 19)ዝተባህለ ትካል ብፍላይ ኣብ ሶማልንን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወረደ መጥቓዕቲ ከምዘተሓሰሰቦ ይገልፅ።ሎሚ ተዘኺሩ ዝወዓለ ዓለምለኸ ነፃነት ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኬንያ ኣብዘዳለዎ ፕሮግራም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቦ ወንበር ቦርድ’ቲ ትካል ሚስተር ጆን ጋሺ ከምዚ ኢሎም።

ኣኼባ ነጻነት ፕረስ ኣብ ኬንያ
ኣኼባ ነጻነት ፕረስ ኣብ ኬንያ

ብደረጃ ዓለም ሶማል ንጋዜጠኛታት ኣዚያ ሓደገኛ ምኳና ቀፂላ’ላ።ኤርትራ እውን ብዓብይኡ ዕፅውቲ’ላ።ሕማቕ ፀብፃብ ዘለዋ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ፍፁም ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዘለዋ ደቡብ ሱዳን እውን ኣለዋ።ኣብ ብሩንዲን ሩዋንዳን እውን ነፃነት ፕረስ ሕማቕ እዩ።”

በግዚኡ መጥቓዕትታት ዝፍፀሙላ ኬንያ፣ታንዛኒያን ኡጋንዳን እውን ነጻነት ፕረስ ዘንቆልቆለን ሃገራት እየን።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነፃነት ፕረስ ከይኽበር ዝዕንቅፉ ዘለው መራሕቲ ሃገራት እዮም ኢሉ።ኣብ ሃገሩ መሰል ጋዜጠኛታት ንክኽበር ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ኣበርቲዖም ክሰርሑ እውን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

“ጋዜጠኛታት ዴሞክራሲ ንከመፅእ ክፅዕሩ ኣለዎ።ንናይ ባዕሎም ነፃነት ጥራሕ ክሕለቑ የብሎምን።ናታትቶም መሰል ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዩ።ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ስለዘየለ ንጠቕላላ ዴሞክራሲ ክቃለስ ኣለዎ፤ድሕሪኡ እቲ ሞያ ክረጋገፅ ይኽእል እዩ።”

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል ብናይ ኢንግሊዝኛ ኣህፁረተ-ቃል CPJ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ መላእ ዓለም 259 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ገሊፁ።ኢትዮጵያ ን16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ግብፅን ኤርትራን ቀፂላ ብሳልሳይ ደረጃ ኣቐሚጡዋ’ሎ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኩሎም 16 ጋዜጠኛታትን ፀሓፍቲ ኢንተርኔትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍትሖም ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ ግዜ ካብ ጋዜጠኛታትን ፀሓፍትን ነፃ ኮይኖም ኣለው።ንምዃኑ ናይዞም ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍታሕ ኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ዓፈንቲ ነጻነት ፕረስ የውፅኣ ድዩ ዝብል ዝተሓተታ ኣብ CPJ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተላ ኣንጄላ ክዊንታል ‘’ኣየወፅኣን እዩ’’ ክብላ ምክንያቱ የረድኣ።

“ንጋዜጠኛታትን ፀሓፍቲ ኢንተርኔትን ምፍታሕ ከም ፅቡቕ ስጉምቲ ኢና ንሪኦ።ነፃነት መራኸቢ ብዙሃን ግን ንጋዜጠኛታት ብምእስራን ብምፍታሕን ጥራሕ ዝረጋገፅ ኣይኮነን።ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘተሓሳስበና ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተነብረ ዓፋኒ ሕጊ እዩ።ንመንግስቲ እነቕርቦ ፃውዒት ንጋዜጠኛታት ንምእሳር ዝተጠቕመሉ ሕጊ ከመሓይሾን እዚ ዕድል እዚ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ክጥቀመሉን እዩ።”

ንሰን ብተወሳኺ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ዝፀደቐ ሕጊ ፀረ-ሽበራ ክልወጥ ኣለዎ ኢለን።መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ዝወፀ ሕጊ እዩ ይብል።ብዓንቀፃት ናይዚ ሕጊ ጋዜጠኛታት፣ፀሓፍትን ናይ ፖለቲካ ተነሓናሕትን ክእሰሩ ምፅንሖም ይጠቕሳ።እዚ ሕጊ ክመሓይሽ ኣለዎ ይብላ።

“ሕጊ ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ንዓና ዘተሓሳስበና ምጥፋእ ነፃን ገለልተኛን ሚዲያ እዩ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብርክት ዝበሉ መራኸቢ ብዙሃን ተዓፂዮም ወይ ሕትመታቶም ተቛሪፁ’ሎ።ዛጊት እውን ኣይተኸፍቱን።ተደጋጋሚ ምቁራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ይርኣይ እዩ።”

ኩዊንታል ኣብ 1997 ዓ/ም ኣብ ዝወፀ ናይ ገበን ሕጊ ዝሰፈሩ ዓንቀፃት ጋዜጠኛታት ስርሖም ከይሰርሑ ዘሸቑርር ሕግን ንነፃነት ፕረስ ዝኽእልክሉን እዮም ይብላ ።ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን መራኸቢ ብዙሃንን ጥራሕ ከይኮነስ ህዝቢ እውን ናይ ምዝራብ ነፃነት ክረክብን ሰብኣዊ መሰላቱ ክኽበርን ኣለዎ ኢለን።ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለው ድልየታትን ስምዒታትን ኣየንፀባርቕን ኢለን ኣለዋ።

ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ዝተባህለ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ብኣተሓሕዛ ፕረስ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት መበል 150 ገይሩ ሰሪዑዋ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

“ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጋዜጠኝነት አጸጋሚ ዞባ’ዩ” ኣርቲክል 19
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00

XS
SM
MD
LG