ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ 4,460 ኣባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ምልዓሎም ተገሊጹ


A fireman fights a bushfire to protect a property in Balmoral, 150 kilometers southwest of Sydney.
A fireman fights a bushfire to protect a property in Balmoral, 150 kilometers southwest of Sydney.

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ሕብረተሰብ ንዘልዓሎም ሕቶታት መሰረት ዝገበሩ ፖለቲካውን ሕጋውን ስጉምትታት ይውሰዱ ከምዘለው ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል 4,460 ኣባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉን ንፍርዲ ዝቐረቡ እውን ከምዝርከብዎምን ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ብመሰረት መግለፂ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ቀረባ ምስ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ዓሚቕ ተሃድሶ ዝተኣሳሰረ እዩ ።ኣብ ናይቲ ክልል መድረኽ ተሃድሶ ልዕሊ 6.5 ሚሊዮን ህዝቢ ከምዝተሳተፈን ፀገማት ሰናይ ምሕደራ፣ኪራይ ኣካቢነትን ብቕዓት ኣመራርሓን ሓዊሱ ኣለው ዝተበሃሉ ሽግራት ምልዓሎም ሓቢሮም።

ካብቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝተለዓሉ 2,587 ብስእነት ብቕዓት ኣመራርሓ፣964 ብኪራይ ኣካቢነት፣397 ብጉድለት ስነምግባር፤512 ድማ ብኻልኦት ውልቃዊ ምኽንያታት እዚ ስጉምቲ ከምዝተወስዶም ዝዘርዘሩ ኣቶ አዲሱ ብፍላይ ብኪራይ ኣካቢነት ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሕጋዊ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

“ዝተኣገዱ ንብረታት ኣለው።ካብዞም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ባንኪ ዝርከብ 7 ሚሊዮንን 149 ብር ብብልሽውና ዝተረኽበ እዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኣብ ፍርዲ ይርከብ።ኣርባዕተ መኻይን፣40 መንበሪ ኣባይቲ፣ክልተ ህንፃታት፣ከምኡ እውን 244 ሽሕን 356 ትርብዒት ሜትሮ ናይ ከተማ መንበሪ ኣባይቲ መስርሒ መሬት፣ 548,662 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ብዱር ዝተሽፈነ መሬት ተኣጊዱ’ሎ።”

ኣብ ጉዳይ ምምዝባል ሓረስቶት፣ኣተሓሕዛ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ተኣሳሲሮም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተልዓሉ ሕቶታት ትኽክለኛ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎምን ነዚኦም ንምፍታሕ ስጉምታት ይውሰዱ ከምዘለውን ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣቐዲሞም ብሰንኪ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ዝተመዛበሉ ሓረስቶት ካብቲ ኢንቨስትመንት ተረባሕቲ ኣብ ክንዲ ምኻን ዝተኽፍለ ካሕሳ ዝተሓተ ምስ ምዃኑ ዝተርኣየ ጉድለት ንምእራም ነቶም ሓረስቶት መሊስካ ንምጥያሽ ሓደ ትካል ተመስሪቱ በጀት ተመዲብሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብክራይ ኣካቢነት ዝተጥርጠሩ ኣባላት ኣመራርሓ ዝውሰድ ስጉምቲ ኣብዚ ደው ከምዘይብል እውን ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ 4,460 ኣባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ምልዓሎም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

XS
SM
MD
LG