ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶሞዝ ተወሲኽዎም ኣሎ` ኣቦ መንበር ሃማመተኤ


ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳሊሕ ኣሕመዲን ከምኡ ድማ ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን(ህግደፍ)_ዝሰርሕ መንእሰይ ህዝባዊ መንግስተኣብ፡ ኣብ ስቱድዮ ድምጺ ኣመሪካ ቐሪቦም ንጉዳይ መንእሰያት ኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ፡ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶሞዝ ተወሲኽዎም`ዩ ኢሎም።

ንምንታይ ብወግዒ ዘይንገር ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ብፕረሲደንት ተነጊሩ`ዩ፡ እቲ ዝምልከቶ ወይ ተረባሒ ወገን ድማ ይፈልጥ`ዩ ኢሎም።

ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ኤውሮጳ ማዕረ ክንደይ ከምዘሻቕሎም`ውን ዝተሓተቱ እዞም ክልተ ኣጋይሽ፡ ብገለ ናይ ኤውሮጳ ረቛሒታት-ስሕበት-ናብራ፡ እቲ ስደት ይርኣይ ኣሎ “እንተኾነ፡ “እቲ ዝበዝሕ መንእሰይ ግን ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ጅግንነት እናፈጸመ`ዩ ዘሎ” ኢሎም።

ብዛዕባ`ቲ ደረት-ኣልቦ ኾይኑ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክምልሱ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ንክናዋሕ ጠንቂ ኾይኑ ዘሎ ጉዳይ ዶብን ጸጥታን እንተዝፍወስ ብሰላም ምተነብረ ኔሩ ኢሎም።

መንእሰያት ኣብ ኤርትራ እንታይ ዕድላት ኣለዎም? ንምርግጋኦም`ከ እንታይ ይግበር? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት`ውን ቀሪቦምሎም ኣለዉ -

ምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡-

XS
SM
MD
LG