ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተለወጢ አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኾይነን ዝተመርጻ ሃገራት አባልነተን ብወግዒ ተረኺበን


ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት - ፋይል
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት - ፋይል

ተለወጢ አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኾይነን ዝተመርጻ ኢትዮጵያ ፡ ጣልያን፡ ካዛኪስታን፡ ሽወደንን ቦሊቭያን ሎሚ ብወግዒ ኣባልነተን ከምዝተረኸባ ተገሊጹ።

ፋና ብሮድካስቲን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኢትዮጵያ ንዝቕጽላ ክልተ ዓመታት ተለዋጢት አባል ባይቶ ጸጥታ ኮይነን ከተገልግል ካብ ዝተመርጻ ሃገራት ሓንቲ’ያ ይብል።

እተን ተለወጥቲ አባል ሃገራት ኾይነን ዝተመርጻ ሃገራት ንክልተ ዓመታት ንዘገልገላ አንጎላ፡ማሊዥያ፡ኒውዝላንድ፡ስጻኛን ቬኒዝወላን ዝተኸኣ’የን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዝትግበር ምርጫ ንኣፍሪቃ ወኪላ’ያ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ዝተመርጸት ኾይና ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ትጸንሓሉ እዋን’ውን ጸጥታን ሰላምን ንምርግጋጽ ተግባራት ግብረ ሽበራ ንምኽልኻል ምስተን ካልኦት አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምትሰርሕ ምግላጻ ይዝኸር።

XS
SM
MD
LG