ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒጀር ተዋፊሮም ዝነበሩ ወትሃደራት ኣመሪካ ዝወጽሉ ልዝብ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣመሪካ፣ ነቶም ኣብ ውግእ ጸረ ግብረ ሽበራ ክሳተፉ ኢላ፣ ናብ ኒጀር ዘውፈረቶም ልዕሊ 1000 ወትሃደራታ ንምስሓብ ልዝብ ከምዝጀመረት ተገሊጹ።

ወትሃደራዊ መራሕ ኒጀር ዝሓለፈ ወርሒ ክዛረቡ ከለው ምስ ዋሽንግተን ዝነበረ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዘብቅዕ ኣፍሊጦም እዮም።

ዋሽንግተን ብወገና ልኡኻታ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናብ ርእሰ ከተማ ኒጀር፣ ንያመይ ከምዝብገሱ ሓቢራ'ላ።

ወሃቢ ቃል ፔንታገን ሜጀር ጀነራል ፓት ራይደር "ሰራዊት ኣመሪካ፣ ካብ ኒጀር ብስርዓት ዝወጽሉ ኣገባብ ንምድላው ኣመሪካን ኒጀርን ወግዓዊ ልዝብ ከምዝጀመሩ ነረጋግጽ" ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG