ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕን ኒኪ-ሃይሊን ኣብ መባእታዊ ምርጫ ኒው-ሃምሸር ክገጥሙ'ዮም


ትራምፕን ኒኪ-ሃይሊን
ትራምፕን ኒኪ-ሃይሊን

ኣብ ድሮ እቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኒው-ሃምሻየር ዝካየድ ምርጫ ንሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሪፖብሊካን ፓርቲ: መብዛሕትኦም ሪፖብሊካን ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ተሰሊፎም'ለዉ።

ኣብቲ ክፍለ ግዝኣት ዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርእዮ ኣማሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ሳዉዝ ካርሎና ዝነበራ ኒኪ ሃሊ ብብዙሕ ይመርሕወን ከም ዘለዉ ዘመላኽት'ዩ።

ኣብዚ እዋን ንትራምፕ ዝብድሃ እንኮ ተወዳዳሪት ኒኪ ሃሊ እየን። ኒው-ሃምሻየር ንኒኪ ሃይሊ ምችእቲ ክፍለ ግዝኣት ምዃና ዝገልጹ ወገናት እንተለው ንብዙሓት ዓቃባውያን ሪፑብሊካን እቶም ብባይደን ኣብ 2020 ዝተሳዕሩን ብ91 ክስታት ካልእ ተወሳኺ ኣርባዕተ ክስታትን ዝተኸሱ ትራምፕ ካልኣይ ዕደል ክረኽቡ ኣለዎም ንይብሉ።

ኒኪ ሃይሊ ግን ደገፍተን ተስፋ ከይቆርጹ ተማሒጺነን'ለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG