ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሕቶ ምልቃቕ መዝነት ቀዳማይ ሚንስትር ብሓደ ለይቲ ዝመጸ ኣይኮነን" ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ


ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ
ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ

ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ናይ ስልጣን መልቀቒ ሕቶ ዘቕረቡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝመፀ ኣይኮነን ብደረጃ ኢህወዴግን ሓድ ሕድ ኣባል ፖለቲካዊ ውድባትን ውሽጦም ዝፈተሽሉ ኣኼባ ብምክያድ ኣብታ ሃገር ንሓዋሩ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ብዘቐመጦ ኣንፈት ምዃኑ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ መጠይቕ ዝገበሩ ሚንስትር ኮሚኒኬሽን እታ ሃገር ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪክ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ እውን ኢሎም።

“ክቡር ቀዳማይ ሚንስትርና ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ፈላማይ ብዝብሃል ስልጣኖም ብድልየት ንምልቃቕ ምሕታቶም እዚ ብናይታ ሃገር ታሪኽ ዓብዪ ነገር እዩ ክበሃል ይክኣል።”

ምኽንያቱ ናይ ዴሞክራሲ መግለፂኡ ተግባር ስለዝኾነ መራሕቲ ንሃገር ዘለዎም ፍቕርን ንህዝቢ ዘለዎም ክብሪን ዘርኢ እዩ ኢሎም።

እቲ ምልቃቕ ስልጣን ንኣባላት ካብነ ከምዘይምልከት እውን ገሊፆም ኣለው።ቤት ምኽሪ ገዛኢ ፓርቲ ኣቦ መንበር ክምረፅን ቀዳማይ ሚንስትር ድማ ብመሰረት ሕጊ ዝመርፀሉ ኩነታት ክህልው እዩ፤ኣብ ግዚኡ ዝግለፅ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG