ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ካሊ ይወጹ፡ ካልኦት ድማ ነቲ መስርሕ ይቓወሙ


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዝደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ኣብ ሃገሮም ዝርኸብ “ካሊ” መዓስከር ስደተኛታት ከምዘፍርስዎ ብወግዒ ተዛሪቦም ኔሮም።ካብ ትማሊ ሶኑይ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሩ ድማ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ዝተዳለውሎም ኣውቶቡስ ብምጽዓን ናብ ካልእ ማእከል ስደተኛታት ክጉዓዙ ተራእዮም እዮም።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ በርናንድ ቻዛነቨ እቲ መስርሕ ብህድኣት ይኸናወን ከምዘሎን ትማሊ ጥራይ አስታት 2,318 ስደተኛታት ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታ ከምዝግዕዙ ይገልጹ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታትን ከም አማኻሪ ኮይኑ ዝሰርሕን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ኣብ ካሊ ዘሎ ምጉዕዓዝ ስደተኛታት ከም ተዓዛቢ ኮይኑ ዝሰርሕ አቶ ኻልድ አብዱ ኣብ ካሊ አስታት 10,000 ስደተኛታት ከምዝርከቡ ካብዚኣቶም 20 ሚእታዊት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ምኻኖም 45 ሚእታዊት ሱዳናዊያን 35 ሚእታዊት ድማ ኣፋጋኒስታናዊያን ምኻኖም ካብዚኦም እቶም 1,500- 2000 ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምኻኖም እንተኮነ ግን እዚ ቁጽሪ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብር።

ወዲ 16 ዓመት ኢትዮጵያዊ ስደተኛ
ወዲ 16 ዓመት ኢትዮጵያዊ ስደተኛ

እዚ መስርሕ ምጉዕዓዝ እቶም ስደተኛታትን ምዕጻው ካሊ መዓስከር ስደተኛታትን ኣብ መንጎ መንግስቲ እንግሊዝን መንግስቲ ፈረንሳን ብዝተበጽሓ ስምምዕ ኮይኑ እቲ ቀዳማይ መድረክ ነቶም ስደተኛታት ብክሊ ዕድመ ብምፍልላይ ከምዝጅምር ኣቶ ኻልድ የረድእ።

ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ካሊ ዝነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣብ ዝተዳለው 480 መዓስከር ስደተኛታት ከምዝግዕዙ ነዚ ብምትግባር ድማ መንግስቲ እንግሊዝን ንመንግስቲ ፈረንሳ ናይ 50 ሚሊዮን ዩሮ ሓገዝ ከምዝህብ ኣቶ ኻልድ ይሕብር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ምጉዕዓዝ ናይ ስደተኛታት ዝቃወሙ ስደተኛታት ሰንበት ምስ ፖሊስ ምግጫዎም፡ ኣብ ካሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ከምዘለው ካልኦት ካብቲ ቦታ ክወጹ ዘይደልዩ ከምዘለው’ውን ይሕበር ኣሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

በኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ካሊ ይወጹ፡ ካልኦት ድማ ነቲ መስርሕ ይቓወሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:15 0:00

XS
SM
MD
LG