ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማህበረሰብ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይረአ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ቤት-ምኽሪ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይረአ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ጭቡጥ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝሓቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኣባላት ማህበረሰብ ኦሮሞ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ቀሪቦም ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት’ውን ተረኺቦም መብርሂ ሂቦምን ይህቡን’ለው።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተሳተፉ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ኣሜሪካ
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተሳተፉ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ኣሜሪካ

ኣብዚ ኣብ ህንጻ ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ዝካየድ ዘሎን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ክልል ኦሮምያ ኸአ ብፍላይ ዝግደሱን ዝሰርሑን ወገናት ኣካላትን ዝተረኽብዎ ስነ-ስርዓት መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ኣምስት ኢንተርናሽናል ናይ ኣሜሪካ ዳይሬክተር ኣዶቴይ ኣክዌይ ዛጊት ብዘለዎም ግምት ኣብቲ ናይ ኦሮምያ ተቃውሞ ልዕሊ 400 ሰባት ተቀቲሎም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ተአሲሮም ኣባይትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ዓንዮም ኢሎም።

ኣስማት ዝተአሰሩ መራሕቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን’ውን ዘርዚሮም። ኣሜሪካ ከም መሻርኽቲ መጠን ክትግብሮ ዘለዋ ስጉምቲ ክትወስድ'ውን ጸዊዖም።

ቀንዲ ዳይሬክተርን መስራቲትን ኦክላንድ ኢንስትዩት ኣኑራድ ኣማታልሞኦ ኣብቲ ዛጊት ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ምዝንባሎም ሓቢረን። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ከተካይድ’ውን ጸዊዔን።

ከምኡ’ውን ኣፕራይድ ዶት ኮም ናይ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኤዲተር መሓመድ ዑመር’ውን ከምኡ ኣብ ኦሮምያ ዝተፈጥረ ኩነታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ’ሎ።

ኣብዚ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ካብ ክፍለ-ግዝኣት ሚኖሶታ ዝኾኑ ኬት ኦሊሰን ኢትዮጵያ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ምኳና ብምጥቃስ ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘራረብሉ እዋን ሕቶታት ተአከብቲ ከምዘቅርብሎም ገሊጾም።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣዝዮም ብዙሓት ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዝተረኽብሉ ይካየድ ከምዘሎን ቅድሚኡ ኸአ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዋሂቡ ኔሩ። መራሕቲ ማህበረሰብ ኦሮሞ ዕላማ’ዚ ናይ ሎሚ ስነ-ስርዓት ፖለቲከኛታት ኣሜሪካ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ኩነታት ይፈልጥዎ’ዮም ስጉምቲ ንክወስዱ ንምጽዋዕ ኢና ኣብዚ ዘለና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG