ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ጎንደርን ጎጃምን ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ኣብ መቐለ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ


ካብ ከተማ ጎንደር ወረዳ ደንብያን ካብ ጎጃም ከተማ ጃዊ ተፈናቒሎም ናብ ትግራይ ዝኣተው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ይርከቡ።

ግርማይ ገብሩ ን30ን 40ን ዓመታት ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ዝነበሩ ሎሚቐነ ተፈናቒሎም ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተው ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘዳለዎ ሰፊሕ መደብ ካብ ዘዘራረቦም ተመዛበልቲ ተጋሩ ህዝቢቲ ክልል ዘይኮነስ ተሓታቲ ጸገም ምምሕዳርቲ ክልል ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ብፍላይ ናይቲ ክልል ሰበስልጣን ብኣዴን እዮም ክብሉ ይወቕሱ።

ብዛዕባ'ቲ ንተጋሩ ፈልዩ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝብል ክሲ ዝምልከት ካብ ሰበ ስልጣናትን ተቓወምትን ፓርትታትን ዝወሃብ ርእይቶ ዝተፈላለየ'ዩ።

ካብ ጎንደርን ጎጃምን ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ኣብ መቐለ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:11 0:00

XS
SM
MD
LG