ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መብ ክፍለዝጊ ኣብ ማራቶን ቦስቶን ማሳቹሴትስ ተዓዊቱ


MEB
MEB
መብ ክፍለ-ዝጊ ሎሚ ኣብ ዝተሳለጠ ማራቶን ቦስቶን ኣሜሪካ ተዓዊቱ።
ካልኣይን ሳልይን ኬንያዊያን።

ኤርትራ ዝሞበቅሉ ኣሜሪካዊ መብ ክግለዝጊ ብዘይተለመደ ኩነታት ንመብዛሕትኡ ርሕቀት ካብ‘ቶም ካልኦት መቀዳድምቱ ነዊሕ ሰዲሩ ብሕታውነት ክጎይይ ወሲኑ‘ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሞንጉ መብን ይስዕብዎ ዝነበሩን ናይ ሓደ ደቂቃ ስጉሚ ርሕቀት ነይሩ።ተንተንቲን ጋዜጣኛታትን፣እቲ መብ ዝሳዓቦ ኣገባብ፣ ኣዋፃኢ እንተኾይኑ ብዙሕ ተጠራጢሮምሉ ነይሮም።መብ ክፍለ-ዝጊ ከምዝሓሰቦ ተንተንቲ ዘይተፀበይዎን ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ሓደ ኣሜሪካ ኣብ መድረኽ ማራቶን ቦስቶን ክዕወት ንፈለማ ጊዜ ኮይኑ‘ሎ ዓወት መብ ክፍለ-ዝጊ።ንሱ ዝተዓወተሉ ጊዜ 2:08 ደቂቃን።ቀዲማ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ኣደባባይ ቦስቶን ተረኺባ፣ንታሕጓሱ ዝተካፈለትን ፈለማይ ሕቁፊ ዘበርከተትሉን ባዓልቲ ቤቱ‘ያ።
XS
SM
MD
LG