ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮሬ ምጭዋይ ደቂ-ኣንስትዮ ተማሃሮ ብብዝሒ ይረአ ምህላው ተሓቢሩ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮሬ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ተማሃሮ ብብዝሒ ይረአ ዘሎ ምዝራፍ ወይ ምጭዋይ: ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ንምስዳድ ከምዝተፀገሙ ስድራቤታት ገሊፆም።

ፖሊስ ናይቲ ዞባ ብወገኑ "ጓለይ ተጨውያትኒ ወይ ተዘሪፋትኒ ኢሉ ናብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ዘመልከተ ስድራ የለን" ክብል ብምሕባር: ኣጀንዳ ዝሰኣኑ ኣካላት ፖለቲካ ትርፊ ንምርካብ ዝገብሩዎ ዘለው ምንቅስቓስ እዩ ክብል ነቲ ጥርዓን ነፂጉዎ።

ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 24 ደቂ ኣንስትዮ ምጭዋይን ምርግጋፁ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፁ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG