ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትፍናን ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ልዕሊ 50-ሽሕ ህዝቢ የመዛብል -- ኦቻ


ብሰንኪ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዝርአ ዘሎ ምትፍናንን ተኽእሎታት ጎነጽን፡ ናብ ቆቦ፡ ሰቆጣን ዋግ-ህምራን ዝኸዱ ተወላዶ ኣምሓራ ልዕሊ 50-ሽሕ ምብጻሑ ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ገምጋም ኣመልኪቱ።

ከም ሓበሬታ ኦቻ እዚ ኣሃዝ ካብ 16 ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም እቶም ተመዛበልቲ ቆልዓ-ሰበይቲ ብምዃኖምን ምስቲ ዘሎ ብዝሒ መጠን ዝኸይድ ሰብኣዊ ሓገዝ ስለ ዘይተረኸበን ናብ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየምርሕ ሻቕልቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ድሕሪ ምትእትታው ሰራዊት ፈደራል ኣብቲ ከባቢ ተዛማዲ ጸጥታ ሰፊኑ ምህላዉ ኦቻ ኣመልኪቱ ኣሎ።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG