ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ጨለንቆ 15 ሰባት ዝሞትሉ፡14 ዝቖሰልሉ ጎንጺ ምግጣሙ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ገሊጹ


ምስራቅ ሃረርጌ ከተማ ጨለንቆ
ምስራቅ ሃረርጌ ከተማ ጨለንቆ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከተማ ጨለንቆ ሻምቡ ካምፓስ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ሎሚ ቅነ ህይወት ሰብ ዘጥፍኡ ጎንጽታት ምክያዶም ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሃረርጌ ከተማ ጨለንቆን ከባቢአን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዘጋጠመ ጎንጺ ዝሓለፈ ሰንበት ካብታ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝበለን ምስ ክልል ሶማሌ ዘዋስን ሰርከማ ትበሃል ቦታ ዝሰፈሩ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ነባሪ’ቲ ከባቢ ብዝኸፈትዎ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ምስ ተቐትለ ሰባት ናብ ምምሕዳር ከይዶም ህዝብና እናወሓደ’ዩ ሓለዋ ይገበረሉ ኢሎም ንምሕታት ኣብ ከተማ ጨለንቆ ዝርከብ ምምሕዳር ኣብ ዝተአኸብሉ ዝጋጠመ’ዩ ክብሉ እቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ነባሪ ሓቢሮም።

“መከላኸሊ ካበይ ከምዝመጹ ኣይፈለጥን። ኣብ ልዕሊ’ቶም ቆልዑ ተኹሲ ከፈቱ፡ ኣብ ጨለንቆ ከተማ ማለት’ዩ። ድሕሪኡ ሰብ ተበታቲኑ ብድሕሪኡ ናብ ሃረር ኣብ ዝወስድ መንገዲ ጨለንቆ ዘድበዩ መከላከያ ኸአ ብቴ ኣብ ዝበሃል ገጠር ብሓባር መሸላ ንምቁራጽ ዝተአከቡ ሸውዓተ ሓረስቶት ኮፍ ኣብ ዝበልሉ ቀቲሎሞም።”

ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣብ ጨለንቆ መን ከምዝአዘዞ ዘይፍለጥ ሓይሊ ምክልኻል 15 ሰባት ቀቲሉ፡ 14 ቆሲሎምን ክብል ምግላጹን እዚ ብቅልጡፍ ተጻርዩ ተሓታትነት ክህልው ምሕታቱ ተገሊጹ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ ጨለንቆ ህይወት ዘጥፍኡ ጎንጽታት ምግጣሞም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:58 0:00

XS
SM
MD
LG