ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ሓዲሽ ዓይነት ባርነት`ዩ" ቀ/ሚ ኢጣልያ


ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት
ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት

ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ትማሊ ረቡዕ ንሓፈሻዊ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝሰምዓቶ መደረ፡ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ባርነት ዝኾነ ንግዳዊ ምስግጋር ደቂሰባት ዕሽሽ ምባል ክገድፎ ኣለዎ ኢላ።

“ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰባት ንላዕሊ ገበናዊ ተግባራት የለን" ዝበለት ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ፡ ኣንጻር ዝተወደቡ ገበነኛታት እንገብሮ ቃልሲ ንኩላትና ዝሓቁፍ ቀዳምነትና ክኸውን ይግባእ ኢላ። ንሳ ወሲኻ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ምትግባሩ ክነጥፍ ኣለዎ ኢላ።

ደሴታት ኢጣልያ ብፍልሰተኛታት ኣብ ዘዕለቕለቓሉ እዋን ካቢነ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ማይግረሽን ተሪር ስጉምቲ ዝወስድ ሓደ ሕጊ ኣጽዲቑ`ሎ። ካብ መንጎ`ቲ መምርሒታት ሓደ፡ንዑቕባ ብቑዓት ዘይኮኑ ሰባት ናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝገብር`ዩ።

ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ጎኒ ንጎኒ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፥ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፡ ምስ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ተራኺቡ ብዛዕባ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን ካልእን ምዝታዩ፡ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG