ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ስለያ እስራኤል ምስ ናይ ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ብዝተሓሓዝ ካብ መዝነቱ ወሪዱ


ፋይል
ፋይል

እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ ሓላፊ ሰለያ'ታ ሃገር ካብ መዝነቱ ምውራዱ ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጣ።

ሜጄር ጀነራል ኣሓሮን ሓሊቫ ዕጡቓት ሓማስ ናብ እስራኤል ብምእታው ን1,200 ሰባት ዝቐተለንን ኣስታት 250 ሰባት ጅሆ ዝወሰደ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ብዝተሓሓዝ ፍሽለት ስለያ ኣጋጢሙ እዩ ክብል ብወግዒ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ሰኑይ 22 ሚያዝያ 2024 ኣብ ብዘውፅኦ ናይቲ በዓል-ስልጣን ምልቃቕ መዝነት ዝገልጽ መግለጺ ንዕኡ ዝትክእ ሰብ ምስ ተረኸበ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ጡረታ ክወፅእ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ጀነራል ሓሊቫ "ኣነ ዝእዝዞ ዳይረክቶሬት ስለያ ዝተወሃበና ሓላፍነት ኣይተዋፃእናን። ካብታ ግዜ እቲኣ ኣትሒዙ መዓልቲ ምስ ምሸት ነታ ፀላም መዓልቲ ምሳይ ተሰኪመያ ይጉዓዝ ኣለኹ። እቲ ስቓይ ንምሉእ ህይወተይ ምሳይ ዝነብር እዩ’’ ኢሉ ።

ኣብ እስራኤል ምስ እዚ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ካብ መዝነቱ ዝለቐቐ ፈላማይ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG