ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኢራን ደብዳብ ከምዝፈጸመት ተፈሊጡ


እስራኤል ትማሊ ምሸት ኣብ ውሽጢ ኢራን ደብዳብ ከምዝፈጸመት ተፈሊጡ።

ጋዜጣታት ዘ ኒው ዮርክ ታይምስን ዋሽንግተን ፖስትን ንስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ጠቂሰን ከምዝገለጸኦ ‘እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኢራን ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻማ’ ጠቂሰን።

እቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ወይ ዒላማ ዝተገብረ ከባቢ ግና ብንጹር ኣይተፈለጠን።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ እስራኤላዊ ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ግና ‘ንጊዚኡ ዝህቦ ርእይቶ የብለይን’ ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG