ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ብዘይሰማዒ ንጠፍእ ኣለና ይብሉ


ካብ ኢትዮጵያ ካብ ቃፍታ ሑመራ፡ ሓረስታይ ኣቶ የማነኣብዝጊ “ ህዝብና ካብ መንግስቲ ረድኤት መግቢ ስለዝሰኣነ፡ ገለ ዝብላዕ እንተረኸበ ብዝብል ናብ ልማዳዊ ምእራይ ወርቂ እንተወፈረ፡ ናይ መንግስቲ ዕጡቓት ገፊፎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ቀጥቂጦም ገንዘብና ኣሕዲጎም የፋንውና`ለዉ” ብምባል ንብዓት እናሰዓሮም ይዛረቡ።

ወ/ሮ መኣዛ ዝተባህለት ኣደ ብወገና፡ በዓልቤታ ቆልዑ ብጥምየት ካብ ዝሞቱ ገለ ንቐለብ እንተረኸበ ብዝብል ናብ ወርቂ ምእራይ ከምዝኸደ፡ እንተኾነ ቀጥቂጦም፡ ኣሲሮም ሓደ ሺሕ ቅርሺ ቀጺዖም ከምዘባረርዎ ብምረት ትገልጽ። ካብ መንግስቲ ረዲኤት ረኺቦም ከምዘይፈልጡ`ውን ይገልጹ።

ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ ካብ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝገብሮ ፈተነ ምላሽ ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ ከቕርቦ`ዩ።

ምስ ክልተ ነበርቲ ሑመራ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ብዘይሰማዒ ንጠፍእ ኣለና ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:16 0:00

XS
SM
MD
LG