ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ፍልልያት እንተለው'ዃ ልዝብ ምቅጻሉ ሰብ-መዚ ሓቢሮም


ኣብ መንጎ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ልቓሕን ጥቕሉል ለውጥታትን ይካየድ ዘሎ ዝርርብ "ፍልልያት'ዃ" እንተሃለውይቕፅል ከምዘሎ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን'ቲ ትካል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ደገፍ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ካብ ዘሎ ሸርፊ ብ50 ሚእትዊት ዝተሓተ ዋጋ ባጤራኣ ክተውርዶ ኣለዋ።ይኹን ደኣ እምበር እዚ ኹነት ገንዘብ ንምርካብ ዝተቐመጠ ቅድመ-ኩነት እንተኾይኑ ግን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣየረጋገፀን።መብዛሕትኡ ግዜ ዕዳጋ ዝውስኖ ተዓጻጻፊ ናይ ሸርፊ መጠንን ክህልው ምርጫ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ እዩ።

ምስ ዝለዓለ ዝቕባበን ሕሱም ሕፅረት ወፃኢ ሸርፍን ትቃለስ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዕድኣ ክተኸፍል ዘይከኣለት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ተመዝጊባ'ላ።

"ልዝብ ቀፂሉ ኣሎ’’ ዝበለ ልኡኽ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣልቫሮ ፒሪስ ቻቨሪ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ናይቲ ትካልን ባንኪ ዓለምን ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ሕጂ እውን ፍልልያት ኣለው’’ ኢሉ። ብዛዕባ'ቲ ዝተገልጸ ፍልልያት ዝርዝር መብርሂ ከይሃበ "ጥንቃቐ ዘለዎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለኒ’’ ኢሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ 2020 ኣትሒዙ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ልቓሕ ኣይረኸበትን።

እቲ ፍልልያት ኢትዮጵያ ካብቲ ትካል ዝሓተተቶ 3.5 ቢሊዮን ዶላር ዝሓውስ እንተኾይኑ ፒሪስ ተሓቲቶም ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ኣብ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ፈፀምቲ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝተካየደ ልዝብ ምስታፎም ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG