ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ሕ/ሃን ሓገዝ መግቢ ኣብ ክልል ትግራይ ደው ድሕሪ ምባሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝህብኦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ድሕሪ ምቁራፆም ኣብ ቀረባ ሰሙናት እንተወሓደ 700 ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ከባቢያዊ ሰበስልጣንን መፅናዕቲ ዘካይዱን ኣፍሊጦም።

ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን መግቢ ንዘድልዮምን ሰባት ዝመፀ ረድኤት ብውዲት ይስረቕ ኣሎ ብምባል እዮም ኣብ ወርሒ መጋቢት ነቲ ሓገዝ መግቢ ደው ምባሎም ዘፍለጡ: ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ሰነ ድማ እቲ ምቁራፅ ረድኤት መግቢ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ክኸውን ወሲኖም በዚ ድማ መግቢ ዘድልዮም 20 ሚሊዮን ሰባት ተሃስዮም።

ናይ ክልል ትግራይ ኮሚሽን ምምሕዳር ሓደጋ እቲ ረድኤት መግቢ ካብ ዝቋረፅ ኣትሒዙ ምስ ጥምየት ብዝተኣሰሰረ ካብ ውሽጢ ሸውዓተ ዞባታት እቲ ክልል ኣብ ሰለስተ ዞባታት ጥራሕ 728 ሰባት ምሟቶም ምምዝጋቡ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ሓበሬታ ብሰበስልጣን ወረዳታት ዝተኣከበ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

ኣቶ ገብረይወት"ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ ይሞቱ ኣለው’’ ኢሎም ።

እቲ ኣሃዝ ኣሽሓት ዝተመዛበሉ ሰባት የተኣናግድ ኣብ ዘሎ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝሞቱ 350 ሰባት ዝሓውስ እዩ። ኣብ መፋርቕ መጋቢት ሰበስልጣን ረድኤት ኣመሪካ ን164-ሽሕ ሰባት ዝኸውን ረድኤት መግቢ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ ክብሉ ገሊፆም።

ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብወገኖም ረድኤት መግቢ ካብ ዝቋረፀ ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ሸውዓተ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ዝርከብሎም መዕቖቢታት ምስ ጥምየት ብዝተኣሳሰረ 165 ሰባት ምሟቶም ሰኒዶም ኣለው። ኣብ መላእ እቲ ክልል ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ዘዕቕቡሎም ልዕሊ 100 ተመሳሰልቲ ካምፕታት ኣለው።

መንነቱ ክግለፀሉ ዘይደለየ ካብቶም መፅናዕቲ ዘካየዱ ሓደ መብዛሕቲኡ ሞት ኣብ ቆልዑ፣ ብዕድመ ዝደፍኡን ሱር ዝሰደደ ፀገማት ጥዕና ዘለዎምን ሰባት እዩ ኢሉ። እቲ ሞት ብቐጥታ ምስ ምቁራፅ ረድኤት ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።

14 ሰነ ዝተሓተመ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሚያዚያ 2022 ክሳብ ሚያዚያ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን ብዝሒ ብሕፅረት ኣመጋግባ ናብ ሆስፒታላት ዝኣተው ቆልዑ ብ196% ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ካብ ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ 5.4 ሚሊዮን ሰባት ተፀበይቲ ረድኤት ክኾኑ ኣገዲዱዎም እዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት መርመርቲ ኣብቲ ግጭት መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ከይሓልፍ ብምኽልካል ‘’ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ተጠቒምሉ’’ ኢሎም።

ኣብ ስርቂ ረድኤት መግቢ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕምቀት ተሳቲፎምሉ ክብሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንኣሶሴይትድ ፕረስ ተዛሪቦም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኽሲ ይነፅጎ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG