ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ስዑድያ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ከይጥርዞም ሁማን ርይትስ ዎች ተማሕጺኑ


መንግስቲ ስዑድያ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ከይጥርዞም ሁማን ርይትስ ዎች ጻዊዒት ዘቕረበ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ክሳብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2017 እንተዘይተመዝጊቦም ክጥረዙ ዝወጸ ደረት-ግዜ ምስ ኣብቅዐ`ዩ።

ላዕላዋይ ተመራማሪ ሁማን ራይትስ ዎች ፈሊክስ ሆርን፡ እቶም ስደተኛታት ንዓዶም እንተተመሊሶም ክእሰሩ ኸምዝኽእሉ ወይ`ውን ኻብኡ ዝኸፍአ ክስዕቦም ከምዝኽእል ዘርኢ ቅቡል ሻቕሎት ኣለዎም ይብል።

ንሶም ብተወሳኺ “ካብ`ቲ መንግስቲ ሃዲሞም ስለዝኸዱ እንተተመሊሶም ክሳቐዩ ወይ ክቕተሉ ከምዝኽእሉ`ዮም ዝገልጹ” ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ኣይቅበሎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG