ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርቱዕ ዝናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕንወት የስዕብ


ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ዝናብ ይርኢ`ሎ፡ ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ ኣብ ታንዛንያ 53 ሰባት ብሰንኪ ውሕጅ ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ውሕጅ ድማ ብውሕዱ 13 ሰባት ምሟቶምን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ካብ መነባብሮም ድማ ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ዞባ ብርክት ዝበለ ትሕተ-ቕርጽታት ዓንዩ። ኣብ ከባቢ ውሕጅ ዝነብሩ ሰባት'ው ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ`ውን ተነጊርዎም ኣሎ።ክፍሊ ሜትሮሎጂ ኬንያ እታ ሃገር ዝሓየለ ዝናብ ይጽበያ'ሎ ዝብል መጠንቀቕታ ብምሕላፍ ሰባት ክዳለዉ ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ዝናብ ድማ ኣብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG