ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፈዋውሳ ሕማማት ኣካላት መፍረ ዘተኮረ መጽሓፍ ተዘርጊሓ


ኣብ ኣፈዋውሳ ሕማማት ኣካላት መፍረ ዘተኮረ መጽሓፍ ተዘርጊሓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00

ኣብ ኣፈዋውሳ ሕማማት ኣካላት መፍረ ዘተኮረ መጽሓፍ ተዘርጊሓ

ብክኢላ መወለዳን ኣቶ ኤፍሬም ዝብኣይ ዝተጻሕፈት “ኣብ ኣፈዋውሳ ሕማማት ኣካላት መፍረ ደቂ ኣንስትዮ” ዘተኮረት መጽሓፍ ናብ ተጠቀምቲ ተዘርጊሓ'ላ።

እታ መጽሓፍ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝረኣዩ ሕማማት ኣካላት መፍረን ሳዕቤናቶምን፡ ኣፈታትሖምን ዘጠቃለሉ 11 ምዕራፋት ዝሓዘት ምዃና ጸሓፊኣ ኤፍሬም ዝብኣይ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ብሕማማት ኣካላት መፍረ ከም ዝጥቀዓ ዝሓበረ ኣቶ ኤፍሬም፡ መጻምድቲ ኣብ ጾታን ጾታውነትን ንዝረኣዩ ጸገማት ብግልጺ ብዘይ ምዝርራቦም፡ ንፍትሕን ንዑኡ ስዒቡ ዝመጽእ ጸገማትን ከም ዝቃልዑ ሓቢሩ።

ኣብ ሞያ መወለዳን ናይ 30 ዓመታት ተመክሮ ዘለዎ ኣቶ ኤፍሬም፡ ነዛ መጽሓፍ ኣብ ስርሑ ካብ ዘጋጠሞ ዝተዓዘቦን ጸገማት ተበጊሱ ከም ዝጸሓፋ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ነቲ ስቕታ ኣብ ምስባርን ከም እትሕግዝ ኣረዲኡ።

እቲ መጽሓፍ ምስ ኣገዳስነትን ስፍሓትን ‘ጾታን ጾታውነትን”፡ ኣብ ክልተ ክፋላት መቒሉ ከም ዝደለዎ ዝገለጸ ኤፍሬም፡ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዛ መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝርጋሕ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG