ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ቻይናን ጀርመንን ተራኺቦም፡ ዘትዮም


ናብ ከተማ በይጂንግ ቻይና ተጓዒዙ ንፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ዝረኸበ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ፍትሒ ክነግስ ዘለዎ እምንቶ ኣካፊሉ። ንዓቢ ጕጅለ መራሕቲ መንግስቲ ሓቚፉ ንቻይና ተጓዒዙ ዘሎ ሾልዝ፡ ኣብ መንጎ’ተን ብቝጠባ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ካብ ዓለም ዘለዋ ክልተ ሃገራት ዝምድና ንምሕያል ዓሊሙ’ዩ ነዚ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። እንተዀነ፡ ቻንስለር ሾልዝ፡ እታ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ዘይሻራዊ መርገጺ ከም ዘለዋ እትገልጽ ቻይና፡ ኣብ ሓያሎ ቍልፊ ጉዳያት ምስ በርሊን ፍልልያ ዓቢ ምዃኑ ይንገር።

ቻንስለር ሾልዝ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጥሮ ዓለማዊ ስግኣትን ኣብ ኤውሮጳ ወሪዱ ዘሎ ሰግለለት ሓደጋን ክገልጽ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሺ ግን ኣብ መንጎ’ተን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ዘሎን ክዓቢ ዝደልዮን ቍጠባዊ ሽርክነት’ዩ ኣተኲሩ ተዛሪቡ።

ዑደት ቻንስለር ጀርመን ናብ ቻይና፡ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ቻይና ዘለወን ዕቃበታት ኣብ ዘቃልሓሉ እዋን’ዩ ይፍጸም ምህላው ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG