ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ጀርመን ንዓቢ መርበብ ኣደናገርቲ ናይጀሪያ ሰቢሩ፡ 11 ኣሲሩ


ፖሊስ ጀርመን- ፋይል
ፖሊስ ጀርመን- ፋይል

ብላክ ኣክስ (Black Axe) ብዝብል ስም ዝጸዋዕ ኣብ ናይጀሪያ ዝመደበሩ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ጀርመናውያን ብዘውረዶ ከቢድ ዕንወት ኣብ ክትትል ፖሊስ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ን11 ካብቶም ጥርጡራት ፖሊስ ጀርመን ምእሳሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ብመንገዲ ኢንተርነት ኣቢሉ፡ ንሓያሎ ደቀንስትዮን ኣብ ናይ ሓሶት ፍቕሪን ሕጸን ብምጽማድ ሚልዮናት ከም ዝወስድ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ዞባ ባቫሪያ ጥራይ ብኸምዚ ናይ ርሑቕ ፍቕሪ 450 ዜጋታት ግዳይ ኰይነን ኣስታት 5.7 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዝተወስደን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ፖሊስ ባቫሪያ ጀርመን ከካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐ ምክትታል፡ ኣብ ሓያሎ ኣባይቲ ሃድን ገይሩ ን11 ዜጋታት ናይጀሪያ ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ። እቶም ኣብዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ኣብ መንጎ 29ን 53ን ዓመታት ዝርከቡ’ዮም። እዚ ሰፊሕ መርበብ “ብላክ ኣክስ” ኣብ ምስግጋር ሰባትን ጾታዊ ጊልያነት’ውን ከም ዝነጥፍ ጸብጻብ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG