ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲታት 7-ሃገራት ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ግጭትን ውጥረትን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤምባሲታት ሃገራት ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ-7 "ኣኻታዕቲ" ኣብ ዝተባህሉ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝተላዕለ ወጥሪን ግጭትን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።

እቶም ኤምባሲታት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዘሎ ዝተሓላለኸ ፖለቲካውን ፀጥታውን ፀገማት ንምፍታሕን ነባሪ ሰላምን ንምስፋን ዝምልከቶም ኣካላት ኣሳታፊ ልዝብ ከካይዱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት(ኦቻ) ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብ ዘውፅኦ ሰሙናዊ ፀብፃቡ ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣንን ከባቢኡን ዳግም ብዝተላዕለ ግጭት 28- ሽሕ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራ ዞባታትን ምዝንባሎም ኣፍሊጡ።

እቶም ተመዛበልቲ ሕፅረት ቀረብ መግብን ማይን ገጢምዎም ከምዘሎ'ውን እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ይሕብር። ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ ተመዛበልቲ ድማ ሕፅረት መግብን መፅለሊን ከምዘሎ ብምሕባር መንግስቲ ንተደጋጋሚ ምዝንባል ምኽንያት ዝኾነ ሕቶ መንነት ህፁፅ ምላሽ ክህቦ ሓቲቶም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG