ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጅን 38 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኬንያ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ብውሑዱ 38 ሰባት ምሟቶም፣ ልዕሊ 11,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ንፀብፃብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ካብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ውፅእ ኢላ ኣብ እትርከብ ክፍለ ግዝኣት ኪኣምቡ ዝነብር ኬቨን ወሶንጋ ንሮይተርስ ከምዝበሎ ሓደ ጎረቤቱ ብምኽንያት እቲ ሓያል ዝናብ መንደቅ ፈሪስዎ ከምዝሞተን ንሱ'ውን መንበሪኡ ብውሕጅ ኣዕለቕሊቑ ኣብዚ እዋን ናብ ናይ ሓፍቱ ገዛ ከምዝርከብ ይዛረብ።

ካልኦት ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል'ታ ሃገር ርሒቖም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ማቻኮስ ዝርከቡ ስድራ'ውን መንበሪኦም ብውሕጅ ድሕሪ ምዕናዉ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምጽንሖም ገሊፆም።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ካብቶም በቲ ሓደጋ ውሕጅ ዝተጎድኡ ከባቢታት እታ ሃገር 180 ሰባት ምድሓኖም ገሊጾም። ክፍሊ ኩነታት ኣየር ኬንያ አብ ዝቅፅሉ ሰሙናት'ውን ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ክህልው ከምዝክእል ኣጠንቂቑ'ሎ። ሰበ ስልጣንን ዝምልከቶም ኣካላትን'ውን ሰባት ካብ ሓደጋ ውሕጅ ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉን ናብ በረኽቲ ቦታታት ክወፁን ኣብ እዋን ዝናብ መኪና ካብ ምዝዋር ክቑጠቡ የጠንቅቑ ምህላዎም ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG